ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተኣኻኸቡ ዜጋታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ11 ጥሪ ብውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ተኸፊቱ።

ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ነቲ ፈስቲቫል ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ናይ 2019 ፈስቲቫል፡ ኲነተ-ኲናት ብሃዋህው ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ ዝተተከኣሉ እዋን ይካየድ ምህላዉን ፍሉይ መቐረትን ድምቀትን ከምዘለዎን ጠቒሱ፡ ዮሃናኡ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ጽንኩር እዋን ዓበይቲ መደባት ልምዓት ዘሰላሰሉ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ራህዋን ሰላምን ሃገር፡ ንምብልጻግን ንምምዕባልን ዝእግሞ ከምዘየለ ዘገንዘበ ኣቶ መሓሪ፡ ፈስቲቫል፡ ሃገራዊ መንነት ብምዂስኳስን ክብርታት ሕብረተ-ሰብና ብምዕቃብን ናብ ወለዶታት ንምስግጋር ሓላፍነት ዘሰክም መድረኽ ምዃኑን፡ ማሕበረኮማት ብዕቱብ ክሰርሓሉን ኣዘኻኺሩ።

ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ሳምሶም ኣማኑኤል ብወገኑ፡ ንተራን ኣበርክቶን ሃገራውያን ውዳበታት ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ብምጥቃስ፡ ውጥን መደባት መኸተ ልምዓት ንምዕዋት፡ ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ወከልቲ ምምሕዳራት መንግስቲ ቪክቶርያ፡ መሓዙት ኤርትራን ኤርትራውያንን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ማሕበረ-ኮማት ኢትዮጵያ ናይ ደገፍ መልእኽትታት ኣስሚዖም።

ኣብ’ቲ ፈስቲቫል፡ ንጸጋታትን ባህልን ኤርትራ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ እገዳ ንምፍሻል ንዝተኻየደ ቃልስን ጽንዓትን፡ ከምኡ’ውን ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብድሆታትን፡ ቃልሲ ምምጻእ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመ ቅሉዕ ወራራትን ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ዝገልጽ መግለጺታት ቀሪቡ።

Categories