ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ፡ ትማሊ 12 ጥሪ ን8ይ ግዜኣ ኣብ ዘካየደቶ ስነ-ስርዓት፡ 56 ተመሃሮ ብማዕርግ ዶክተረይት ኣመሪቓ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ቀሲሞሞ ብዘለዉ ፍልጠትን ደሊቦሞ ብዘለዉ ዓቕምን ብቕንዕናን ተወፋይነትን ከገልግሉ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸሙ ተመረቕቲ፡ 43 ብሓፈሻዊ ሕክምና፡ 13 ድማ ብሕክምና ስኒ’ዮም ተመሪቖም።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚሰብ ዝተገብረ ወፍሪ፡ ሃገርና ኣብ ጽላት ጥዕና ኣመዝጊባቶ ኣብ ዘላ ዓወታት ልዑል ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ጠቒሳ፡ ተመረቕቲ – ኣሰር’ቶም ኣቐዲሞም ዝተመረቑ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብምስዓብ፡ ዝጽበዮም ዕማም ብተወፋይነት ከተግብሩ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣዘኻኺራ።

“ብሉጻት ሞያውያን ጥዕና ምፍራይ፡ ካብ ቀንዲ ዕማማት መደባት ዳግመህንጻ’ዩ” ዝበለ ዲን ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ – ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ስዩም፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ካብ እትምስረት፡ 285 ብሓፈሻዊ ሕክምና፡ 35 ድማ ብሕክምና ስኒ ከምዘመረቐት፡ በዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ፈለማ ናይ ናጽነት ዓመታት 1 ዶክተር ን37 ሽሕ ሕሙማት ዝነበረ መጠን፡ ናብ 1 ዶክተር ን16 ሽሕ ወሪዱ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ስዩም ኣስዒቡ፡ ብመሰረት መምርሒ ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዋይ ትካላት ትምህርትን ምርምርን፡ ካብ ኣካዳሚያዊ ዓመተትምህርቲ 2018/2019፡ ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታን ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራን፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኮለጅ ማለት “ኮለጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ” ተጠርኒፎም ይነጥፉ ከምዘለዉ ብምብራህ፡ እዚ ምጥርናፍ’ዚ፡ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ኣኽኢልዎም ከምዘሎ ገሊጹ።

 

Categories