ሓረስቶት ዋዲ-ላባ – ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ብሩባታት ማይኡለ፡ ላባ፡ ግርግር፡ ማይ-ኣዋልድን ገርሰሊን ንዝወረደ ወሓይዝ ናብ ሕርሻታቶም ንምእላይ ብዝተወስደ ስጉምቲ፡ ዘራእቶም ብግቡእ ሰትዩ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ገሊጾም።

ዝሓለፈ ዓመት ካብ ከበሳ ዝኣክል ውሕጅ ብዘይምውራዱ፡ በቲ ዝወረደ እውን ብሰንኪ ምስባር ዓግማትን ሕጽረት ማሽነሪታትን ግራውቲ ስለዘይሰተየ – ዝረብሕ እቶት ከምዘይረኸቡ ዝሓበሩ’ቶም ሓረስቶት፡ ሎሚ ዓመት ግና ግራውቶም ብምድልዳልን ዓግማት ብምጽጋንን ብኣጋ ሳላ ዝተዳለዉ፡ ርቡሕ እቶት ክረኽቡ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ጥሪቶም እውን ዘተኣማምን ምንጪ ማይን ዝብላዕን ከምዝረኸባ፡ እዚ ኹሉ ድማ፡ ድምር ውጽኢት ናይ’ቲ ብመንግስቲ ዝተገብረሎም ደገፍን ኮማዊ ወፈራታትን ምዃኑ ሓቢሮም።

እቶም ሓረስቶት፡ ምስ ምሕያል ክራማት፡ ባልዓት ተቐላቒሎም ምንባሮም፡ ዛጊት ግዳ ዘውረዱዎ ጉድኣት ከምዘየለ ብምሕባር፡ ተርእዮ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒን ኣንበጣን ንምግታእ ሚኒስትሪ ሕርሻ ንዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጒምቲ ሞጒሶም።

Categories