ባይቶ ዞባ ደቡብ፡ መበል 18 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ9 ጥሪ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ መምህር ወልዳይ ገብረ፡ እንኣትዎ ዘለና መድረኽ ንነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ረዚን ሓላፍነት ዘሰክም ስለዝኾነ፡ ኩሉ ኣኣብ ዝተዋፈሮ ንጥፈትን ዓውድን ብጽፈት ክሰርሕን ከበርክትን ኣዘኻኺሩ።

“ሰላም፡ መሰረት ልምዓትን ዕብየትን እዩ’’ ዝበለ መምህር ወልዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ዝነበረ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋህው ተዓንቂጹ ዝጸንሐ መደባት፡ ብኣድማዕነት ንምትግባርን ራእይና ንምስማርን፡ ንዘለዉ ብድሆታት ከም ዕድላት ተጠቒምና ዓጸፋ ክንሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሓለፍቲ ጨናፍርን ክፍልታትን ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በብጽላቱ ዝተተግበሩን ዘይተተግበሩን መደባት ብመንጽር ዝነበሩ ብልጫታትን ሕጽረታትን ብምግምጋም፡ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ መደባት በብቀዳምነታቱ ዘርዚሮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ፡ ዘለናዮ መድረኽ ኣብ ኩሉ መዳይ ዝያዳ ጻዕርን ትኵርነትን ዝሓትት ብምዃኑ፡ ኣባላት ባይቶ መሪሕ ተራኦም ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ።

“ደቂ-ኣንስትዮ ምምሃር፡ ሕብረተሰብ ምምሃር’ዩ” ዝበለ ኣቶ ኤፍሬም፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርትን ስራሕን ንምዕዛዝ – ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክስራሓሉ፡ ብመሰረት ብሚኒስትሪታት ዞባዊ ምምሕዳርን ፍትሕን ዝወጸ ሕጋጋት ውዕል ክራይ፡ ኣብ መንጎ ኣካራይን ተኻራይን ዝርአ ምስሕሓባት ንምውጋድ ዝካየድ ጻዕርታት ክሕይል፡ ቤት-ትምህርቲ ሓረስቶት ኣብ ግራት ሓረስታይ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምጅማር ብንጥፈት ክስራሕ፡ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ባይቶ፡ ኮም ዝሰረቱ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ክድፋኣሉ፡ ተጠቃምነት ሞጐጎ ኣድሓነት ብሰፊሑ ክተኣታቶ፡ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ዘይብለን ትካላት ጥዕና ክስራሓለን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝበኾሩ ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ትምህርቲ ዝሳተፉሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽል ዝብሉን ካልኦትን ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

Categories