ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣብ 2018 ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ መደባት ብግቡእ ከምእተተግበሩ ኣብ ዘካየዶ ገምጋማዊ ኣኼባ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ንመንበሪ ዝኸውን መሬት፡ ንዕንጨይቲ ዝትክእ ኣማራጺ ጸዓት፡ መጋሃጫ ጥሪትን ኣብ ከባቢ ጊንዳዕ ናይ ሕርሻ መሬት ክፍቀድን ዝብሉ ድማ፡ ካብኣቶም ብተደጋጋሚ ብህዝቢ ዝቐረቡን መልሲ ዝምልከቶም ኣካላት ዝጽበዩ ዘለዉን ጉዳያት ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ንመደባት 2019 ብዝምልከት፡ ኣብ ደማስ፡ ደንጎሎ-ላዕላይ፡ መትከል ኣቤትን ከተማ ጊንዳዕን ዝርአ ጸገም ዝስተ ማይ ምፍታሕ፡ ምዝዛም ኣብ ዕንደሊን ሑጺትን ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ጽገና መስመር ኤለክትሪሲቲን ናይ ጎደና መብራህቲን፡ ካብቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም ምዃኖም ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ጽሬት ከባቢ ንምውሓስ ብኣመሓደርቲ ከባቢ ክድፋኣሉ፡ ንምምሕዳራት ከባቢ ደማስ፡ ሸባሕ፡ መትከል-ኣቤትን ጋሕቴላይን ከተገልግል ዝጸንሐት ኣምቡላንስ – ጸገማታ ተለልዩ ፍታሕ ክርከበላ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories