ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ብምውህሃድ ህዝብን ምምሕዳርን ኣብ 2018 ዝተተግበሩ ዝርዝር መደባት ዝግምግም ርክብ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ህዝቢ 21 ምምሕዳራት ከባቢን ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ 8 ምምሕዳራት ከባቢ 51 ኪሎ-ሜተር ጽርግያታት ብወፈራ ከምእተጸገነ፡ 315 ሽሕ ፈልሲታት ገረብ ከምእተተኽለን ካልእን ክበርህ እንከሎ፡ ኣብ ሕረት፡ ደርዓን ዓዲ-ለጂን መስርሕ ምዕዳል መሬት ጤሳ ንምክያድ መደብ ከምዘሎ፡ ብኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ተሓቢሩ።

ሓላፊት መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ተለንተ ሓረጉ መንግስተኣብ እውን፡ ኣፍልጦ ሕጊ ንምዕባይ ኣብ ህዝቢ ውጽኢታዊ ጐስጓስ ከምእተኻየደ ገሊጻ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ፡ መደባት 2018 ብሓፈሻኡ ጽቡቕ ከም እተተግበረ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ምውሓስ ከባቢያዊ ጽሬትን ብሕጊ ዝተፈቕደ ኣባይቲ ምህናጽን ዘጠቓልሉ ንጥፈታት፡ ኣብ 2019 ካብ ዝትግበሩ መደባት ምዃኖም ኣነጺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ብኢደ ዋኒንካ ዝስራሕ ኣባይቲ ምቁጽጻር ክግበረሉ፡ ዝኣረጋ ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ ጽገና ክግበረለን ተላብዮም።

Categories