ኣብ ሳቡናይት – ንኡስ ዞባ ጎልጅ ዝርከባ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምጥርናፎምን ርግኣት መነባብሮኦምን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሳቡናይት፡ መደበር ጥዕና፡ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት-ትምህርትን መከፋፈሊ ጽሩይ ዝስተ ማይን ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣብ ማእከል ዓዶም ጽሩይ ማይ ክሰትዩ፡ ደቆም ከምህሩን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ምብቅዖም ብሓጐስ ገሊጾም።

“ህላወ መሰረታውያን ትካላት፡ ቀሲንና መነባብሮና ክንመርሕ ሓጊዙና” ድሕሪ ምባል፡ ቀጻልነተን ንምውሓስ ዝከኣሎም ክገብሩ ድሉውነቶም ኣረጋጊጾም።

Categories