ኣብ ንኡሳን ዞባታት ናቕፋን ሽዕብን ዝርከባ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ርግኣት መነባብሮ ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ህዝቢ ስሕበት ብምፍጣር፡ ፋሕ ኢሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ሓባራዊ ህይወት ከስተማቕር ከምዝሓገዛ እዩ ተሓቢሩ።

ኣማሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ያቆብ እድሪስ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕና፡ ፕሮጀክትታት ማይን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ህዝቢ ኣብ ዝተጸንዐ ከባቢታት ተጠርኒፉ ርጉእ ሂወት ክመርሕ ስለዝሓገዘ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ናቕፋ ንትካላትን መንበሪን ዝኸውን መሬት ብምዕዳሉ፡ ቁጽሪ ህዝቢ’ታ ከተማ ልዕሊ 60 ሽሕ ከምዝበጽሐ ኣረዲኡ።

ኣብ ምስፋሕን ምምዕባልን ኣገልግሎታት ቴለፎን፡ መጓዓዝያን ካልእ ትሕተ-ቅርጺን ዘተባብዕ ገስጋስ ተመዝጊቡ ከምዘሎ እውን ገሊጹ። ህዝባዊ ወፈራታት ልምዓት ምድንፋዕ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባት 2019 ምዃኑ ኣቶ ያቆብ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ብተመሳሳሊ፡ ትካላት ጥዕና፡ ኣብ ምርግጋጽ ድሕነት ኣደታትን ህጻናትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ሓንቲ ማእከል ጥዕናን ሰለስተ መደበራት ጥዕናን ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዝርከባ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ እዚ ኣብ’ቲ ህዝቢ ቀዋሚ መነባብሮ ንኽህልዎ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት ደራኺ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ኣብ ትምህርቲ – ብሰንኪ ሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ዝጠፍእ ዝነበረ ግዜ ንምቑጣብ፡ ምስ መነባብሮ ህዝቢ ዝሳነ ዓውደ-ኣዋርሕ ትምህርቲ ብምድላው ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ መብዛሕትአን ኣብያተትምህርቲ ቊጽሪ ተመሃሮ ብፍላይ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ከም’ቲ ክኾኖ ዝግብኦ ስለዘየሎ ግን፡ ወለዲ ግቡእ ተራኦም ክጻወቱ ተላብዩ።

Categories