ናብ ቦታታት ልምዓት ዝግበር ዑደት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ንምፍላጥ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ፡ ንዝበረኸ ስራሕ ጸዓት ዝህብ ምዃኑ፡ ብእኩብ ዑደት ዘካየዳ ገዳይም ተጋደልቲ ገሊጸን።

እተን ካብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ዝነቐላ ብማሕበር ‘ኣለናልኪ’ ዝፍለጣ ልዕሊ 60 ገዳይም ተጋደልቲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባሩዋ ዝርከብ ዓበይቲ ከዘንቲ ማይን ሕርሻዊ ንጥፈታትን ተዓዚበንን ብዝምልከቶም ኣካየድቲ ስራሕ መብርሂ ተዋሂቡወንን።

እተን ገዳይም ተጋደልቲ፡ ስትራተጅያውያን ዲጋታት ሎጎን ምስላምን፡ ኣብ ከባቢ ሓልሓለ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት ዘራእትን ምርባሕ ጥሪትን በጺሐን።

ኣባል ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ጨንፈር ሓልሓለ መንእሰይ ጅምዕ ዓብደላ፡ ኣብ ሓልሓለ ንምርባሕ ናይ ጸባን ናይ ስጋን ከብቲ ዝዓለመ ዓበይቲ ትሕተ-ቅርጻዊ ስርሓት ይንጸፍ ከምዘሎ፡ ድሮ’ውን ልዕሊ 900 ካብ ወጻኢ ዝመጻ ናይ ጸባ ከብቲ ተቐቢሎም ኣብ ምክንኻነንን ንመግበን ዝኸውን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታ ኣብ ምድላውን ከምዝርከቡ ገሊጹ።

ኢንጂነር ብርሃነ በየነ ብወገኑ፡ ብውህደት ኩባንያ ህንጻ ሰገንን ካልኦት ወሃብቲ ደገፍ ኣካላትን፡ ከምኡ’ውን ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ዝተሰርሐ ዲጋ ምስላም፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 40 ሚልዮን ሜተር ኲብ ማይ ሒዙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ መደብ፡ ውሕስነት ዝስተ ማይ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ምርግጋጽን ሰፊሕ ሕርሻዊ ንጥፈታት ምክያድን ምዃኑ፡ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ከዘንቲ ማይ ናይ ምውዳድ፡ ሻምብቆታት ናይ ምዝርጋሕን መሳርሒታት ጸሓያዊ ጸዓት ናይ ምትካልን ንጥፈታት ይሰላሰል ምህላዉ ኣረዲኡ።

Categories