ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ወፍሪ መብጣሕቲ ሓበላ ዓይኒ ኣካዪዱ።

ሓኪም ዓይኒ መንእሰይ ገብረ ሃይለሚካኤል ብዛዕባ’ቲ ወፍሪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቐዲሙ ኣብ 300 ናይ ሓበላ ጸገም ዝነበሮም ሰባት መርመራ ከምእተኻየደ፡ ን170 ካብኣቶም ድማ ዕዉት መብጣሕቲ ከም እተገብረሎም ገሊጹ።

ነቶም ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብሩ ተጠቀምቲ ብዝወጸ መደብ፡ ብደረጃ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ጢዖ፡ ብደረጃ ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ዕዲ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ደቡብ ደንካልያን ዓሰብን ንዝነብሩ ድማ – ኣብ ከተማ ዓሰብ መርመራታትን መብጣሕትን ከምእተኻየደ መንእሰይ ገብረ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሓበላ ዓይኒ ብሰንኪ ዕድመ ዝኽሰት’ኳ እንተኾነ፡ ነጸብራቕ ጸሓይን ባሕሪን ኣብ ዓይኒ ዝፈጥሮ ጸገም’ውን ቀሊል ስለዘይኮነ፡ ንሱ ዝጠንቁ ሓበላ የጋጥም ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኣብ’ቲ እዋን መርመራ፡ ረኽሲ ዓይኒን ጸቕጢ ዓይኒን ንዝተራእዮም መድሃኒት ከምእተዋህቦም እውን ተፈሊጡ።

Categories