ኣብ ሳዋ፡ ሞያዊ ዓቕሚ ሓደስቲ መማህራን ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ክብ ንምባል ዝዓለመ ትምህርቲ ተወዲቡ።

ኣወሃሃዲ ናይ’ዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝቐጸለ ትምህርቲ፡ መምህር ምሕረትኣብ ገብረስላሴ፡ እቲ መደብ፡ ኣብ መንጎ መማህራን ንዘሎ ናይ ተመኵሮን ብቕዓትን ፍልልያት ብምጽባብ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ምድንፋዕ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብቲ ትምህርቲ፡ ንኣወጻጽኣ ውጥን ግዜን መደባትን፡ ንክእለትን ኣረኣእያን. . . ዝፍትሹ ኣገደስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም።

ሰልጠንቲ፡ ኣብ’ቶም ዝቐረቡ ጽሑፋት ብዕምቈት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ቤትትምህርቲ ዝሰረቱ ስልጠናታት ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ብ4 ጥሪ ምስ መማህራን ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብሓያል ጽንዓት ተረጋጊጹ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ንዘርሓዎ ዕድላት ብምጥቃም፡ ሞያዊ ሓላፍነቶም ብዓጸፋ ክሰርሑሉ ተላብዩ።

Categories