ብምኽንያት በዓል ልደት፡ “ዓወት ንዘላቒ ሰላምን ሽርክነትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ብዝብል ቴማ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብታ ሃገርን፡ ኣብ ጁባ ድሙቕ ባህላዊ መደብ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ብባህላዊ መሰናድኦታት ዝደመቐ መደብ፡ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ታዕባን ዴንግ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ማሕበረኮም ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ኣቶ የውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ እቲ ጽምብል፡ ድሕሪ’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመን ንዞባና ልደት ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምምልላእን ዘበሰረን “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ዝበዓል ዘሎ ፋልማይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ዮሃናኡ ገሊጹ።

“ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 80 ዓመታት፡ ብኢድ ኣእታውነት ግዳማውያን ሓይልታት፡ ብውግእን ወረ ውግእን፡ ስደትን ምምዝባልን ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባና፡ እንሆ ኣብ ኣፈፌት ርህው መዋእል ረጊጹ።” ድማ ኢሉ።

ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ጀነራል ታዕባን ዴንግ እውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ሪያል ማድሪድ… ዘሎ ሰላም፡ ጽልዋኡ ኣብ’ቲ ዞባ መመሊሱ ይደምቕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንኹለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ባብ ምሕዝነትን ሽርክነትን ከምዘርሓወ ኣረዲኡ።

እቲ ጽምብል፡ ካብ ኤርትራ ዝኸዱ ወናማት ስነ-ጥበባውያን ብዘቕረቡዎ ጣዕመ ዜማታት ከምዝደመቐ ተፈሊጡ።

Categories