ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር መጐዓዝያ ምድሪ ኦምሓጀር – ሑመራ፡ ትማሊ 7 ጥሪ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ብወግዒ ተኸፊቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ንምስታፍ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ እዩ ኤርትራ ኣትዩ።

ኣብ’ቲ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሰንዩ ኣብ ኦምሓጀር ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይን፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼን ገብረሚካኤልን ኤታ ማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኰነንን ተረኺቦም ነይሮም።

እዚ ብመሰረት’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ዝተኸተመ ‘ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’ ዝተወስደ ስጒምቲ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተኸፍተ ሰለስተ ተመሳሰልቲ መስመራት እዩ።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2018፡ መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ ደባይሲማ – ቡሬ፡ ሰርሓ – ዛላምበሳን ዓዲ-ዃላ – ራማን ብወግዒ ከምእተኸፍተ ይዝከር።

ዛጊት ተኻዪዱ ዘሎ ምኽፋት መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ፡ ንስሉጥ ምንቅስቓስ ህዝብን ንብረትን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ኮይኑ፡ ምሉእ ናይ ትግባረ ዝርዝራቱ ኣብ መስርሕ ይርከብ።

Categories