ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ብ3 ጥሪ ንወከልቲ ህዝቢ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ሃገራውን ሰውራውን ክብርታት ብምዕቃብ መደባት ልምዓት ምድንፋዕ፡ መድረኽ ዘሰክሞ እዋናዊ ዕማም ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

“ብግቡእ ዝተወደበን ዝተጠርነፈን ህዝቢ፡ ካብ ዓወት ክዓግቶ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየለ፡ ሓርነታዊ ቃልስና ህያው ኣብነት’ዩ” ዝበለ ብሪጋደር ጀነራል ተኸለ፡ ህዝቢ ከም ወትሩ ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ውዳበታቱን መሳርዑን ብምድልዳል፡ ጸጥታ ከባቢኡ ኣብ ምውሓስን ብቑዓት መንእሰያት ኣብ ምዅስኳስን ብዝለዓለ ክነጥፍ ኣዘኻኺሩ።

ነብስኻ ምኽኣል ሓደ ካብ ጽኑዕ ፖሊሲታትን ስትራተጂን መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ በብከባቢኡ ዝሰላሰል ልምዓታዊ መደባትን ብደረጃ ኮም ዝውደብ ስራሓትን ኣካል ሃገራዊ ወፍሪ ጥሙር መኸተ ስለዝኾነ፡ ተኣትዩ ምስ ዘሎ መዋእል ሰላም ዓጸፋ ክድፋኣሉ ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣብ መጻኢ ከተማ ባጽዕ ዘሎ ሰፊሕ ዕድላት – ንህዝባ ማእከል ዝገበረ ከምዝኾነ ድማ ገሊጹ።

ተጠቃምነት ናይቶም ብልዑል ወጻኢታት ተሃኒጾም ዘለዉ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ፡ በብከባቢኡ ዕቱብ ንጥፈታት ክሰላሰል፡ ብፍላይ ድማ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምዕባይ ዝለዓለ ቈላሕታ ክወሃቦ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼበኛታት፡ ብደረጃ ሃገርን ብደረጃ ዞባን ዝወጹ ውጥናት ንምዕዋት ዘለዎም ቅሩብነት ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ህሉው ኩነታት ዘብርህ ኣማእዛኒ ሰሚናራት በብደረጃኡ ቀጻልነት ክህልዎ፡ ጽርየት ከተማ ባጽዕ ብዕቱብ ክርአ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ክብ ንምባል ብዕቱብ ክስራሓሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories