ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ትማሊ ዓርቢ 4 ጥሪ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኣምባሳደር ሞኒካ ጁማ ተራኺቡ፡ ኣብ ገስጋስን ምዕማቚን ናይ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ብ15 ታሕሳስ ዝተረዳድኡሉ ዛዕባታት ዘትዮም።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ብወገን ኤርትራ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፡ ብወገን ኬንያ ድማ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ15 ታሕሳስ 2018 ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ምብጻሕ ብምፍጻም፡ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ – ብቐንዱ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ሽርክነታዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየዱ ይዝከር።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ኤርትራን ኬንያን ንዘሎ ዓበይቲ ዕድላት ብምግንዛብ፡ ኣብ ጽላታት ንግድን ወፍርን ዝግበር ምትሕግጋዝ ንምዕባይ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ተኸሲቱ ዘሎ እወታዊ ሃዋህው ሰላምን ምትሕብባርን መሰረት ብምግባር፡ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ንምዕዛዝ – ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም እዮም።

Categories