‘ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ’፡ መበል 40 ዓመት ምምስራታ ትማሊ 3 ጥሪ ጸምቢላ።

ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ህንጻ ሚኒስትሪ ዜና – ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሃገር-ሜድያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ነባራትን ሓደስትን ኣባላት፡ ከምኡ’ውን ተኸታተልቲ ረድዮ ተረኺቦም ነይሮም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሬድዮ ኣቶ ግርማይ በርሀ፡ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ፡ ኣብ’ዚ ናይ 40 ዓመታት ኣገልግሎታ፡ ምስ ኩሉ ብድሆታት፡ ንሰማዕታ – ሓቀኛን ውድዓውን ሓበሬታ እናኣስነቐት፡ ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ምንጋስ፡ ባህላዊ ደረጃን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ህዝቢ ክብ ብምባል ተሳታፍነቱ ኣብ ምዕዛዝ፡ ከምኡ’ውን ብውሁድ ቅኒት ናብ ሓደ ራእይን ዕላማን ዝዓስለሉ ኵነት ኣብ ምፍጣር፡ ዓቢን ኣብነታውን ስራሕ ከም ዘሰላሰለት ገሊጹ።

ድምጺ ሓፋሽ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ድምጻ ብመንገዲ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝሰፍሐ ክፋላት ዓለም ናብ ዝርከቡ ዜጋታት ከተብጽሕ በቒዓ ከምዘላ ዝጠቐሰ ኣቶ ግርማይ፡ ነቶም ካብ ምምስራታ ክሳብ’ዚ ደረጃ ክትበጽሕ ብተወፋይነት ዝሰርሑን ዝሰርሑ ዘለዉን ኩሎም ብምምስጋን፡ ብፍላይ መንእሰያት ኣባላታ ንዝበለጸ ውጽኢት ብዝሓየለ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተዳለወት መጽሔት ንተሳተፍቲ ክትዕደል እንከላ፡ ጦብላሕታ ሰማዕቲ ድምጺ ሓፋሽ ቀሪቡ።

ኣብ ባሕቲ ጥሪ 1979 ኣብ ፋሕ – ሳሕል ዝተመስረተት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ብትሽዓተ ቋንቋታት ብሄራትና – ማለት፡ ናራ፡ ሳሆ፡ ቢለን፡ ትግርኛ፡ ዓፈር፡ ኩናማ፡ ትግረ፡ ሕዳርብን ዓረብን ኣገልግሎት ትህብ።

Categories