ኣብ ሆላንድን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ብመሰረት’ዚ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቶ ነጋሲ ካሳ፡ ብ30 ታሓሳስ ንኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መድረኻዊ ሓላፍነት ዜጋታትን ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣምባሳደር ነጋሲ፡ በብከባቢኡ ዝርከባ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮማት፡ ውዳበታተን ብምሕያል ኣበርክቶአን ኣብ መደባት መኸተ ልምዓት ከዕዝዛ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ጀሚረን – ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት፡ ዜጋታት ኣብ ምውዳብን ምምእዛንን ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገበራ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ናይ “ጽንዓትን መኸተን” ወረቐት ምስክር ተዋሂበን።

ብኻልእ ወገን፡ ውዳበታት ሃማደአን መንእሰያት ህግደፍን ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ብ29ን 30ን ታሕሳስ – ነፍሲ-ወከፎም 2ይ ጉባኤ ኣብ ጁባ ኣቃኒዖም። ሓደስቲ ኣካየድቲ ኣካላት ድማ መሪጾም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ኣቶ የውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ውዳበ ሃማደኤ – ናይ ወትሩ ኣበርክቶኡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories