ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ 2018 ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምጽጋን ናይ ሓመድ ጽርግያታትን ምርግጋጽ ከባብያዊ ጽሬትን ከምእተሳላሰለ፡ ብ26 ታሕሳስ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተተግበረ ህዝባዊ ወፈራታት፡ ህዝቢ ኣበየከባቢኡ ዝርከባ ትካላት ትምህርቲን ጥዕናን ኣብ ምምዕባል ዝውዕል – ኣስታት 3 ሚልዮን ናቕፋ፡ መነባብሮ መማህራን ንምሕጋዝ እውን ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሰንዓፈ፡ ዓረዛን ድባርዋን ኣብ ቅርስታት ኣተኲሩ ዝተኻየደ ኣፈናዊ ዳህሳሳት፡ ኣብ መጻኢ ንዝካየድ ዝሰፍሐ ንጥፈታት ባይታ ዘጣጥሐ ምንባሩ ድማ ተገምጊሙ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ፡ ኣብ 2019 – ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን፡ ከምኡ’ውን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ብዝለዓለ ክስርሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories