ሃገራውያን ውዳበታት ኣብ ጀርመንን ኩወይትን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ሃገራዊ ሽማግለ ኣብ ጀርመን፡ ወከልቲ ልዕሊ 26 ሃገራዊ ሽማግለ ከተማታት ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ24 ሕዳር ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጉባኤ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ “ሃገራዊ ሽማግለ፡ ንጥርናፈን ውህደትን ኤርትራዊ ዜጋ” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ኣቦ-መንበር ውዳበ – ዶክተር ተስፋይ ዓብለሎም፡ ጉባኤኦም፡ ኣብ ዞባና ሓድሽ ምዕባለታት ኣብ ዝተኸስተሉን ዘይፍትሓዊ እገዳ ኣብ ዝተላዕለሉን ግዜ ይካየድ ብምህላዉ፡ ምስ መድረኽ ዝሳነ ናይ ስራሕ መደባት ምሕንጻጽ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ጉባኤ ኣብ መወዳእታ፡ መደባት ሃገራዊ ሽማግለ ንምድንፋዕ ዝሕግዙ ውሳነታት ኣሕሊፉን ነዚ እተወሃህድ ኣካያዲት ኣካል መሪጹን።

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ፍራንክፈርት፡ “ጽንዓት ስዒሩ” ብዝብል ቴማ ብ24 ሕዳር ኣብ ዝወደቡዎ ምትእኽኻብ፡ ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ንምልዓል ዘይፍትሓዊ እገዳ ጸምቢሎም።

ቦርድ ሃ.ማ.ደ.ኤ. ኣብ ኤውሮጳን ኣካየድቲ ኣካል ዞባ ኤውሮጳን ድማ፡ ካብ 29 ሕዳር ክሳብ 2 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዓመታዊ ኣኼባ ኣቃኒዑ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተፋሚካኤልን፡ ወከልቲ ትሽዓተ ሃገራት ኤውሮጳን ድማ ተሳቲፈናኦ። ናይ 2019 መደባት ድማ ተሓንጺጹ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ-ኩወይት ብወገኖም፡ “ዘይፍትሓዊ እገዳ ብሓድነትናን ጽንዓትናን ተሳዒሩ” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝወደቡዎ ጽምብል፡ ድልውነቶም ንመድረኻዊ ተልእኾ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

Categories