ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ብ2 ታሕሳስ – ን51 ናይ ማእከላይ ደረጃ መማህራን፡ ኣብ ስርሖም ዝሕግዞም ስልጠና ወዲቡ።

እቲ መደብ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን እኹል ፍልጠት ብምድላብ፡ ኣብ ብቕዓት ተመሃሮ ለውጢ ንምምጻእ፡ ከምኡ’ውን ሓድሕዳዊ ተመኵሮታት ብምልውዋጥ ሞያዊ ብቕዓቶም ንምዕባይ እዩ።

ሓላፊ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር እስማዒል ሳልሕ፡ እቲ ዝቐሰሙዎ ትምህርቲ ኣብ መዓልታዊ ስርሖም ሓጋዚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ምምሕያሽ ብቕዓትን ደረጃን ተመሃሮ እውን ኣስተዋጽኦ ክህልዎ ትጽቢቱ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ኣብ ናይ መባእታ መማህራን ከምእተዋህበ፡ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ መማህራን እውን ብተመሳሳሊ ክወሃብ ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

Categories