ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ኤማንዌላ ደል ረን ምስኣ ዝመጹ ኣውፈርትን፡ ትማሊ 5 ታሕሳስ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መንግስቲ ኢጣልያን ኢጣልያውያን ኣውፈርትን፡ ኣብ ኤርትራን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዘሎ ዓበይቲ ዕድላት ተጠቒሞም፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ምስናዕን ካልኦት ጽላታትን ዓበይቲ ወፍርታት ክገብሩ ዓዲሙ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ እዚ ዕድመ’ዚ ሓድሽ ዘይኮነ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኢጣልያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ታሪኻዊ ተራ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤማንዌላ ደል ረ ብወገና፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኢጣልያን ኢጣልያውያን ኣውፈርትን ዝስሕብ ዓበይቲ ዕድላት ወፍሪ ምህላዉ ሃገራ ከምእትግንዘብ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ዞባ ዝግበር ወፍሪ ንህዝብታት ናይ’ቲ ዞባ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንህዝቢ ኢጣልያ እውን ዓቢ ረብሓ ከምዘለዎ ጽኑዕ እምነታ ገሊጻ።

እዚ ተካይዶ ዘላ ምብጻሕ፡ ደድሕሪ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ኢጣልያ ጁዘፐ ኮንተ ይስዕብ ከምዘሎ ዝጠቐሰት ምክትል ሚኒስተር ኤማንዌላ፡ እዚ ነቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻን ኣሕዲራቶ ዘላ ተገዳስነት ዘጒልሕ ምዃኑ ኣብሪሃ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ኢጣልያ ጁዘፐ ኮንተ፡ ብ12 ጥቅምቲ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ብምፍጻም፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕብባርን ከምዝዘተየ ይዝከር።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ነቶም ዕድላት ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ንምድህሳስ ዝመጹ ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ፡ ብዛዕባ ዘሎ ዕድላት፡ ቀዳምነታት ኤርትራ ኣብ መዳይ ወፍሪ፡ ከምኡ’ውን ንወፍሪ ዘተባብዑ ባእታታት ዘነጽር መብርሂ ተዋሂቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ሓድሽ መዋእል ተኣትዩ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ እዚ ክስተት’ዚ፡ ሓባራውን ምዕሩይን ረብሓ ንዘለዎ ናይ ወፍሪ ዕድላት ባብ ዘርሑ ከምዝኸውን ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ምክትል ሚኒስተር ኤማንዌላ ደል ረ ብግደኣ፡ ብወገን ሃገራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዘሎ ተገዳስነት ብምግላጽ፡ እዚ ብርክት ዝበሉ ኢጣልያውያን ሰብ-ዋኒን ኣብ ኤርትራ ዘካይዱዎ ዘለዉ ምብጻሕ፡ ናቱ መርኣያ ምዃኑ ኣገንዚባ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ኤማኑዌላ ደል ረ ኣቐዲማ – ብ4 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ዝተደኰነ ‘ሃገራዊ ማእከል ሕክምና ልቢ’ ተሳቲፋ።

እቲ ኣብ’ቲ ዕለት ዝተመረቐ ሃገራዊ ማእከል ሕክምና ልቢ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኢጣልያዊ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበርን ውድብ ጥዕና ዓለምን፡ ዘድልዮ መሳርሒታት ዓጢቑ እዩ ንስራሕ ተበጊሱ ዘሎ።

Categories