ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንተሓጋጋዚ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ቲቦር ናዥ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ትማሊ 4 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ናዥን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዝምድናኣ ከተመሓይሽን ጽምዶኣ ከተሐይልን ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ሚስተር ቲቦር ናዥ ብወገኑ፡ ድልዉነት ሃገሩ ንምምሕያሽ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ቲቦር ናዥን ብተወሳኺ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምምሕያሽ ክልተኣዊ ዝምድና ጥራይ ከይተሓጽራ፡ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዕዛዝ ብሓባር ክሰርሓ ተረዳዲኦም።

እቲ ኣመሪካዊ በዓል-ስልጣን፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን እውን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ዘትዩ።

Categories