ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታትን ዕድመ ዝተገብረሎም ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ዓስራይ ዓመታዊ ፈስቲቫል ብልዑል ድምቀት ኣካዪዱ።

እቲ ብ29 ሕዳር ተኸፊቱ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ ያታዊ ናውቲ ብዘጠቓልል ባህላዊ ቊሸት፡ ኢደጥበባዊ ስራሓት፡ ሙዚቃዊ ምርኢት፡ ከምኡ’ውን ንቱሪዝማዊ ጸጋታትን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ዝገልጽ ስእላዊ ኤግዝቢሽን ማዕሪጉ ቀንዩ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም፡ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ምስ ሃገሮምን ባህሎምን ዘለዎም ምትእስሳር ኣብ ምድልዳል – ምስ ካልኦት ማሕበረ-ኮማት ዘለዎም ዝምድና ኣብ ምሕያል’ውን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ “ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ዘይፍትሓዊ እገዳ ብሓያል መኸተን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምልዓሉ ዝስዕብ ዘሎ ብምዃኑ፡ ድርብ ጽምብል’ዩ” ክብል ገሊጹ።

“ፈስቲቫል፡ መርኣያ ኣብ ብዙሕነትና ዘሎ ጽባቐን ሓድነትን’ዩ” ዝበለ ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር ኣቶ ወሊድ ያሲን ብወገኑ፡ ምስ ካልኦት ህዝብታትን ማሕበረኮ-ማትን ዘራኽብ ድንድል ባህላዊ ዲፕሎማሲ እውን ኮይኑ የገልግል ምህላዉ፡ እቲ ካልእ ብልጫኡ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እቲ ፈስቲቫል፡ ካብ ኤርትራ ዝኸዱ ስነ-ጥበባውያን ብዘቕረቡዎ ባህላዊ መደብ ዝተሰነየ ነይሩ። ኣብ’ቲ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ድምቀት’ቲ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኣበርክቶ ንዝገበሩ፡ ናይ ምስጋና ወረቐት ተዓዲሉ።

Categories