“ዘይፍትሓዊ እገዳ ብመኸተን ጽንዓትን ተሳዒሩ” ብዝብል ቴማ፡ ብ28 ሕዳር ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተኸፍተ – ዓመታዊ ፈስቲቫል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን – ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ብ30 ሕዳር ብልዑል ማዕርግ ተዛዚሙ።

ሚኒስተርዑስማን ንተሳተፍቲኣብዘካየዶ ሰሚናር፡ ብዛዕባ ምዕባለታት መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ክሰፍን ጀሚሩ ዘሎ ሃዋሁው ሰላምን ምትሕብባርን ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንምንብርካኽን ሃገራዊ ዓቕሚ ንምድኻምን ብተደጋጋሚ ዝተኣልመ ውዲትን ተጻብኦታትን ሳላ ሓድነትን ጽንዓትን ህዝብን መሪሕነቱን ከምዝበርዓነ ገሊጹ።

“ከም’ቲ ንወራርን ተጻብኦን ብስጡም ሓድነትን ሓያል ጽንዓትን ዝመከትና፡ ንኩለንትናዊ ህንጸት ሃገር ብዓጸፋ ናህሪ ክንዓዪ መድረኻዊ ሓላፍነት እዩ።” ዝበለ ሚኒስተር ዑስማን፡ ምስ ዞባናን ዓለምን ንምድልዳል ዝተጀመረ ጻዕሪ ዘተባብዕ ፍረ ክህብ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ንልዑል ስነ-ምግባርን ብቕዓትን ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣህጉራዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲዓረብ ድሕሪ ምምጓስ ከኣ፡ ንዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምፍታሕ፡ ወለዲ ንደቆም ናብ’ተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምስዳድ፡ ትምህርቶም ከምዝቕጽሉ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ፈስቲቫል፡ ብዝተፈለዩ መደባት ብኤይድስ ከይተጠቕዑ ንምንባር ክኢሎም ከምዘለዉ ጠቒሳ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነቲ ሕማም ንምጥፋእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ እጃሙ ከምዘበርክት ኣረጋጊጻ። ማዕሪጉ ድሕሪ ምቕናይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ኣበርክቶ ንዝገበሩን ኣብ በበይኑ ውድድራት ንዝተዓወቱን ሽልማት ብምዕዳል’ዩ ተዛዚሙ።

Categories