ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲቐይሕ፡ ንጽጉማት ተመሃሮ ንምሉእ ዓመት ዘገልግሎም ናውቲ ትምህርቲ ብ27 ሕዳር ዓዲሉ።

ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ገብርኤል ካሕሳይ፡ እቲ ሓገዝ መቐጸልታ ናይ’ቲ ጽጉማት ተመሃሮ ብሰንኪ ስእነት ናውቲ ትምህርቲ ካብ ትምህርቶም ከይሰናኸሉ ዓመት መጽአ ዝግበር ደገፍ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሎሚ ዓመት ን81 ተመሃሮ ከምእተዋህበ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ንኡሳን ዞባታት ሰንዓፈ፡ ማይምነ፡ ዓዲ-ዃላን ማይዓይኒን እውን፡ ተመሳሳሊ መደብ ከም እተተግበረ፡ ወከልቲ ኤሪና ሓቢሮም።

Categories