ዓለማዊ መዓልቲ ኤይድስ – 1 ታሕሳስ፡ “ንመርመር ኩነታትና ንፍለጥ” ብዝብል ቴማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ ከረን ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ዝተረኽበትሉ መደብ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋናዳይረክተርክፍሊህዝባዊጥዕናዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጼን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ለበዳ ኤይድስ ንምቊጽጻርን ንምጥፋኡን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ልዑል ተስፋታት ይርከቦ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ምስ ኤች.ኣይ.ቪ./ኤይድስ ኣብ ዝነብሩ ዜጋታት ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ዘሎ – ተደራቢ መልከፍቲ ዓባይ ሰዓል ምዃኑ ሓቢሩ።

መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ. ንምቊጽጻርን ብኤይድስ ዝስዕብ ሞት ንምንካይን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ልዑል ኣቓልቦ ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ፡ ክስገሩ ዘለዎም ብድሆታት ግን ከምዘለዉ፡ ዶክተር ዓንደብርሃን ኣረዲኡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ኣርኣያ ብርሃነ ድማ፡ ኣብ ጠንቂን ሳዕቤናትን ናይቲ ሕማምን ጉዳይ መናውሒ መድሃኒትን ዘተኰረ መግለጺ ሂቡ።

ሕማም ኤይድስ ካብ ዝኽሰት ንምግታኡ ዕቱብ ጐስጓሳትን ጻዕሪታትን’ኳ እንተተኻየደ፡ ገና ብዙሕ ዝተርፍ ከምዘሎ ዝሓበረ ተጸዋዒ ማዕከን ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስተር ኢብራሂም ሳምቡሊ ድማ፡ ብሰንኪ’ቲ ሕማም ብዙሓት ሰባት ይሳቐዩን ይሞቱን ምህላዎም ገሊጹ።

ሓላፊት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ ዶክተር ጆሰፊን ናምቡዜ ብወገና፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ብዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት፡ ብዙሓት ምስ ኤች.ኣይ.ቪ. ዝነብሩ ወገናት፡ ብኤይድስ ከይተጠቕዑ ንምንባር ክኢሎም ከምዘለዉ ጠቒሳ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነቲ ሕማም ንምጥፋእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ እጃሙ ከምዘበርክት ኣረጋጊጻ።

Categories