ኣብ ከተማ ከረን፡ ብምውህሃድ ሚኒስትሪ ትምህርቲን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን ብዝተፈላለየ ሞያ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝሰልጠኑ 216 መንእሰያት፡ ብ24 ሕዳር ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ናይ ምረቓ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ሞያዊ መሰልጠኒ ማእከል ከረን ኣቶ ተስፋብርሃን መሃንሾ፡ እቶም መንእሰያት ብኤለክትሪሲቲ፡ ማእለማ፡ ስራሓት ካይላ፡ ጽባቐ ጸጉሪ-ርእስን ካልእን ከምዝሰልጠኑ ጠቒሱ፡ ዕላማኡ – ብማሕበራዊ ጸገማት ትምህርቶም ዘቋረጹ መንእሰያት፡ ብቑዕ ሞያ ቀሲሞም መነባብሮኦም ክመርሑ ንምሕጋዝ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሰልጠንቲ፡ ወርሓዊ 600 ናቕፋ እናተኸፍሎም ትምህርቶም ከም እተኸታተሉ ብምሕባር ድማ፡ ድሮ ብዝቐሰምዎ ሞያ ምንጪ ቊጠባዊ እቶቶም ከረጋግጹ በቒዖም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ወኪል ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንስባ ኣቶ መሓመድ-ዑመር ዓብደላ፡ ሰልጠንቲ ዕለታዊ ብድሆታቶም ሰጊሮም ንዝተመደበሎም ሞያዊ ትምህርቲ ምዝዛሞም ድርብ ሓላፍነት ከም ዘሰክሞም ብምዝኽኻር፡ መነባብሮኦም ከመሓይሹ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይትን ሚድያን ኣቶ ገብረዝጊ ድማም ድማ፡ ሰልጠንቲ – ዝቐሰምዎ ፍልጠት ከም ነጥበ-መቐይሮ ኣብ ሂወቶም ንክኸውን ብዝለዓለ ክጽዕሩ ኣዘኻኺርዎም።

Categories