ኣቲናዮ ዘሎና መዋእል፡ ጥምረትና ኣደልዲልና – ኩሉ ዓቕሚታትናን ጸጋታትናን ናብ ሃገራዊ ልምዓት ንምቕናዕ ረዚን ሓላፍነት ዘሰክመና ምዃኑ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ረዘነ ኣዶናይ፡ ኣብ ከተማታት ከረንን ሓጋዝን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናራት ገሊጹ።

“ውጽኢት ጽንዓት፡ መኸተን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ – መመሊሱ ይደምቕ ኣሎ” ዝበለ ኣቶ ረዘነ፡ ንሰላም ብልምዓት ንምድራዕ፡ ከም ህዝቢ ዝጽበየና ዘሎ እዋናዊ ተልእኾ ስለዝኾነ፡ መንእሰያት – ንቕሓቶም ብምብራኽ ብሞያን ትምህርትን ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ክደፍኡ፡ ወለድን ሕብረተሰብን ድማ ኣብ ምምእዛኖም ዝያዳ ክጽዕሩ ኣዘኻኺሩ።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተኻየዱ ኩሉ-መዳያዊ ሸርሒታት በብመድረኾም ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኩሎም ምስ ድርዒ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ተራጺሞም ኣላሽ ከምዝበሉ፡ ሕብረተ-ሰባውን ሰውራውን ክብርታትና ምዕቃብን ናብ ወለዶታት ምስግጋርን ብሰፊሑ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ እዋናዊ ሃገራውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኰረ ሰሚናራትን ጐስጓሳትን ብስሩዕ ክካየድ ተላብዮም።

Categories