ኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን ኤርትራ፡ ንፈለማ እዋን ንክልተ ዓመት ናይ ኮለጅ ትምህርቶም ክከታተሉ ንዝጸንሑ 20 ናይ ሕጊ ተኣረምቲ፡ 12 ብዲፕሎማ 8 ድማ ብሰርትፊኬት ኣመሪቑ።

ብ24 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዲን ኮለጅ ቢዝነስን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዶክተር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተመረቕቲ ናይ ኣካውንቲንግ፡ ስነ-ሕብረተሰብን ማሕበራዊ ዕዮን ትምህርቶም ብዓወት ምዝዛሞም፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን ኤርትራ ኣካዳሚያዊ ዓቕሚ ተሃደስቲ ንምዕባይ ዘውጸኦ መደብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ እምነ-ኲርናዕ ናይ ኩሉ ፖሊሲታት ምዕባለ ምዃኑን ገዚፍ ወፍሪ ይግበረሉ ከምዘሎን ዝጠቐሰ ዶክተር እስቲፋኖስ፡ ብምሕደራ ዋኒን ናይ ዲግሪ ፕሮግራም ዝከታተሉ ዘለዉ ተሃደስቲ፡ ናብ ሳልሳይ ዓመት ሓሊፎም ምህላዎም ሓቢሩ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ግርማይ መሓሪ፡ እቲ ማእከል፡ ሞያውን ኣካዳሚያውን ዓቕሚ ናይ’ቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ተሃደስቲ ክብ ንምባል ዘውጸኦ መደብ ኣብ ምትግባር ንዝጸዓሩ መሻርኽቲ ኣመስጊኑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንተመረቕትን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ስፖርታዊ ንጥፈታት ጸብለልታ ንዘርኣዩ ስፖርታውያንን ወረቐት ምስክርን ሽልማትን ተዓዲሉ።

Categories