ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ንሓሙሽተ ሰሙናት ብስርዓተ ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታ ዘሰልጠኖም 44 ኣባላቱ፡ ብ22 ሕዳር ኣመሪቑ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ብግምትን ብልምድን ክቐርብ ዝጸንሐ ጸብጻባት፡ ብኣሃዛትን ካርታን ተሰንዩ ምስ ዝቐርብ፡ እቶትን እቶታውነትን ንምዕባይ ከም ዝሕግዝን እቲ ስልጠና ኣገዳሲ ምዃኑን ኣረዲኡ።

ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ፍልጠት ዝያዳ ከዕምቑዎን ናብ ካልኦት ከመሓላልፍዎን ዘዘኻኸረ ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ስርሖም ዝሕግዞም መሳርሒታት ንምቕራብን ስልጠናታት ንምውዳብን ከምዝጽዕር ኣረጋጊጹ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን ብግደኡ፡ ሰልጠንቲ፡ ንኣገዳስነት ጂኦግራፊያዊ ሓበሬታ ኣብ እቶትን እቶታውነትን ብምጥቃስ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ብጽፈት ክሰርሑሉ ተላብዩ።

ሰልጠንቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ስርሖም ዝሕግዝኦም ከምፕዩተራት ክወሃብኦም፡ ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት’ቲ ሚኒስትሪ ዝወሃብ ስልጠናታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ንዘለዉ ክኢላታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣዘኻኺሮም።

Categories