ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባላውን ስንክልና፡ ሳልሳይ ጉባኤኡ ብ24 ሕዳር ኣብ ኣስመራ ኣቃኒዑ።

ናይ ክብሪ ኣቦ-መንበር’ቲ ማሕበር ኣቶ ክፍላይ ገብረሚካኤል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ካብ ዝምስረት 8 ዓመታት ጥራይ ገይሩ’ኳ እንተሎ፡ ምስ ዕድመኡ ብምንጽጻር፡ ዛጊት ኣሰላሲሉዎ ብዘሎ ዕማማት፡ ጥጡሕ ባይታ ኣንጺፉ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝጸንሐ ድሑር ኣመላኻኽታ ብምእላይ፡ ናብ ዝበረኸ ንቕሓት ንምድያብ ክካየድ ዝጸንሐ ጎስጓሳውን ትምህርታውን ንጥፈታት፡ ንድሩት ጸጋታት ማሕበር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብእወታ ዝግምገም ከምዝኾነ’ውን ገሊጹ።

ጉዳይ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና፡ ንኣባላት ስድራ-ቤት፡ ሕብረተሰብ፡ መንግስትን ማሕበራትን ዝምልከት ማሕበራዊ ሕቶ ምዃኑ ዝሓበረ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ፡ ግዳያት’ዚ ሕማም ዝኾኑ ቆልዑ፡ ከም ኩሎም ሰብ ምሉእ ጥዕና መዛኑኦም፡ ተጠቀምቲ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ብቐንዱ ድማ ትምህርቲ ንክኾኑ፡ ሓያልን ቀጻልነት ዘለዎን ስራሕ ከምዘድሊ ኣብሪሁ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ሌተናል ኮሎኔል ብርሃነ በዅረጽዮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ዝተኻየደ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣቕሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ኣብ ቅዋም ማሕበር ዝተገብረ ለውጢ ናብ ተጋባእቲ ቀሪቡ ክትዕ ምስ ተኻየደሉ ከኣ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት እተገልግል ኣካያዲት ኣካል ተመሪጻ።

ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና፡ ኣብ 2010 ብግዱሳት ወለዲ ዝተመስረተ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ኣስታት 4 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ።

Categories