“ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ ብ21 ሕዳር፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተኸፍተ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጅዳን ከባቢኣን – ስዑዲዓረብ፡ ትማሊ 23 ሕዳር ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ከምእተዛዘመ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ሓቢሮም።

እቲ ፈስቲቫል፡ ሰሚናር ብላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ባህላውን ስነጥበባውን መሰናድኦታት፡ ውድድራት ቅዲ ክዳንን ስፖርትን፡ ብተመሃሮ ኣህጉራዊ ቤት-ትምህርቲ ኤርትራን መንእሰያት ህግደፍን ዝተዳለወ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ስእላዊ ምርኢትን፡ ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ጅዳ ዘዳለዋኦ ምርኢት ኢደ-ስራሓትን ባህላዊ መግብን፡ ከምኡ’ውን ካልእ መሃሪን ኣዘናጋዕን መደባት ማዕሪጉ ቀንዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ኣተኲሩ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ተኣትዩ ዘሎ መዋእል ሰላምን ምትሕግጋዝን ብቐንዱ ፍረ ጽንዓትን ስጡም ውህደትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ዝተኻየዱ ተጻብኦታትን ዓቕምታት ኤርትራ ንምድኻም ዝተሃንደሰ እገዳታትን ብምኽታሞም ዮሃናኡ ገሊጹ።

“ንኣትዎ ዘሎና መድረኽ፡ ናይ ህንጸት ሃገር’ዩ” ክብል ዝጠቐሰ ሚኒስተር ዑስማን፡ ነዚ ብዝበለጸን ዝተወሃሃደን ሓይሊ ተግቢርና ብዓወት ከምእንወጽእ ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣረጋጊጹ። ዝምድናታትና ምስ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሕያል፡ ዞባዊ ውህደትን ምትሕግጋዝን ንምርግጋጽ፡ ከምኡ’ውን ቀጻልነቱ ዘውሓሰ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራውን ጸጥታውን ምዕባለ ንምህናጽ፡ ብኣተኲሮ ይስራሓሉ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

Categories