ሃማደአ ዞባ ማእከል፡ ብ21ን 22ን ሕዳር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘሰላሰሎ ገምጋም፡ ውዳበታቱ ንምሕያል ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ፡ ሓለፍቲ ንኡሳን ዞባታትን ካልኦትን ዝተሳተፋሉ ገምጋም፡ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታትን ማእከላይ ቤት-ጽሕፈትን ናይ ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ዝተተግበሩ መደባትን ጸብጻባት ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንኣባላት ዝወሃብ ሞያዊ ስልጠናታት ብዝሓየለ ክድፋኣሉ፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ኣንጻር ጎዳእቲ ልምድታት ዝካየድ ጐስጓሳት ብውህደት ክቕጽል፡ ንብሉጻት ተመሃሮ ዝግበር ምትብባዕ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ስለዘሎ ቀጻልነቱ ክወሓስ፡ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

እቲ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ገምጋም፡ መደብ ስራሕ ዓመተ 2019 ብምሕንጻጽ ተዛዚሙ።

Categories