ኣብ እስራኤል፡ ሪፓብሊክ ሱዳን፡ ቐጠር፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ዓባይብሪጣንያን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ መደባት ኣሰላሲሎም።

ብመሰረት’ዚ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ብ16 ሕዳር ኣብ ዝወደቡዎ መደብ፡ መኸተ ልምዓት ንምዕዋት ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም።

ብ“ማሕበር ፍኖተ ሰማእታት” ዝፍለጡ መንእሰያት ብ17 ሕዳር ኣብ ዝወደቡዎ ተመሳሳሊ መደብ፡ ኣብ ርእሲ’ቶም ንክልተ ዓመታት ዝናብይዎም ዘለዉ 200 ስድራ ሰማእታት፡ 12 ተወሰኽቲ ስድራ ስዉኣት ንምንባይ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ነፍሲ-ወከፎም 720 ዶላር፡ ብድምር 8,640 ዶላር ኣበርኪቶም።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ ሱዳን ኣብ ዘካየዱዎ ተመሳሳሊ መደብ ድማ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መዋእል ብጽንዓት ህዝብን መንግስትን ዝመጸ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ተኣምር ዝሰርሐ ሓይሊ፡ ኣብ ህንጸት ሃገር እውን ብዝበለጸ ክንጸባረቕ እምነቱ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ቐጠር ኣብ ዝወደቦ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም፡ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ፍረ መኸተን ጽንዓትን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ከተማታት ከለንን ሙኒኽን – ጀርመን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዕኡ ዝሰዓበ ዞባዊ ውህደትን ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ፡ ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምዕዛዝ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ውዳበ ህግደፍ ኣብ ላዕላይ ሰሜን ጀርመን ብወገኑ፡ ብ17 ሕዳር ኣብ ከተማ ሃምቡርግ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ የውሃንስ ወልዱ፡ ኣብ ምዕባለታት ዞባናን ዓለምን ዘተኰረ መብርሂ ሂቡ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦን ከኣ፡ ብ17 ሕዳር ንኤርትራውያን ተቐማጦ ፓሪስን ከባቢኣን – ኣብ ምዕባለታት ሰላም ዘተኮረ ሰሚናር ኣካዪዳ።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሚላኖ – ኢጣልያን፡ ውዳበ ሃማደኤ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን፡ ዓመታዊ ኣኼባታቶም ኣካዪዶም።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ፖሊሲታት ልምዓት መንግስቲ ኤርትራ ዘተኰረ፡ ብካርታ ዝተሰነየ ዓውደ-ዘተ ኣብ ከተማ ጁባ ወዲቡ።

Categories