ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ፈጠራውነትን ስነ-ጥበባዊ ተውህቦን ተመሃሮ ንምብራኽ፡ ከምኡ’ውን ጥዕናኦም ተሓልዩ ኣድማዕቲ ንክኾኑ ዝሕግዝ ባይታ ንምፍጣር ዝዘተየ ርክብ፡ ብ14ን 15ን ሕዳር ኣብ ከተማ ሓጋዝ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ትምህርቲ ኣብ ንኡሳን ዞባታት፡ ሓለፍቲ ባህልን ስፖርትን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን ናይ ዘካየዳኦ ንጥፈታት ብልጫታትን ድኽመታትን ገምጋም ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምርግጋጽን ምሕያልን መሰላት ቆልዑ፡ ኣገዳስነት ምቛም ክለባት፡ ስነ-ምግባር ተመሃሮን መምህራንን፡ ሳዕቤናት መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዋሕዲ ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲን ድሕሪ ዘካየዱዎ ዘተ፡ ዋሕዲ መምህራን ባህልን ስፖርትን፡ ከምኡ’ውን ናይ ስፖርት መሳለጥያታት፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊት ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን መምህር ነጃት ኣልኣሚን፡ ዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦም ከምዘሎ ጠቒሳ፡ ኮም ዘማእከለ ወፍሪ ንምግባሩ፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢ ክዓዝዝ ጸዊዓ።

Categories