ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ናይ ዝተሳተፉ ተፈተንቲ ብዝሒ ብ13 ሚእታዊት፡ መጠን ምሕላፍ ከኣ ብ10 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ተገሊጹ።

ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ብ15 ሕዳር ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ ኣወሃሃዲ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ኣብ’ቲ ዞባ መምህር ኣስመሮም ሰሲኖስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ካብ 95 ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ 18,314 ተመሃሮ ከምእተፈተኑን 57 ሚእታዊት ከምዝሓለፉን ሓቢሩ።

ምድንጋር መለለዪ ቁጽሪ ተፈተንቲ፡ ከምኡ’ውን ዘይንርሩነት ስእሊ ተመሃሮ ኣብ ምድላው ሰርቲፊኬት ካብ’ቶም ቀንዲ ዝተራእዩ ጸገማት ምንባሮም ዝጠቐሰ መምህር ኣስመሮም፡ ብሉጽ ውጽኢት ንዘመዝገቡ ተመሃሮ ንምትብባዕን ኣብ ካልኦት ቅዱስ ቅንኢ ንምፍጣርን፡ ብደረጃ ዞባ ዝዕደል ‘ሽልማት ዒንደማሶ’፡ ኣብ ምምሕያሽ ውጽኢት ተመሃሮ ድርኺት ፈጢሩ ከም ዘሎን ዝያዳ ክድፋኣሉን ድማ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ – መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ ብወገኑ፡ 19 ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ 90 ክሳብ 100 ተመሃሮአን ከምዝሕለፋ ብምሕባር፡ ነተን ድኹም ውጽኢት ዘመዝገባ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣርኣያ ክኸውን ከምዝግባእ ጠቒሱ። ውጽኢት ተመሃሮ ዝያዳ ንምምሕያሽ፡ መምህራንን ሱፐርቫይዘራትን ጻዕሮም ከሐይሉን ከወሃህዱን ከኣ ተማሕጺኑ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሕሴን ናይብ ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ብቕዓትን ጻዕርን መምህራን ኣብ ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ዞባ፡ ኣብ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ምምሕያሽ ናብ ዝበረኸ ውጽኢት ንምስግጋር፡ ጻዕሩ ከዛይድ ተላብዩ።

Categories