ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰላም፡ ብምውህሃድ ቤት-ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ብ 15 ሕዳር ኣብ ኣስመራ ተኸቢራ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ወዲ-ሰብ ብዘይ ስግኣት – ብሰላም ክነብር ዘይገሃስ መሰሉ ከምዝኾነ ዝገልጽ፡ ምስ ሰላም፡ ጸጥታን ምዕባለን ዝተኣሳሰር ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ቅዱስ ዕላማ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ዘላቕነቱ ምርግጋጽ ግና፡ ግዴታን ሓላፍነትን ናይ ኩለን ሃገራት ምዃኑ ገሊጹ።

ንፍሉይ ጂኦፖለቲካዊ ኣጀንዳ ናይ’ቲ እንኮ ቀጽራዊ ስርዓት ንምህናጽ ብመገዲ መልሕቕ ክህቀን ዝጸንሐ ኣካይዳ፡ ጠንቂ ግጭትን ዘይምርግጋእን ዞባና ከምኡ’ውን ተጻብኦታት ኣንጻር ኤርትራ ኮይኑ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኤርትራ – ነዚ ብጽንዓት መኪታ፡ ነጻ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘለዋ፡ ምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን ንምርግጋጽ እትሰርሕ፡ ከምኡ’ውን ንዞባዊ ሰላምን ምድግጋፍን ቀዳምነት ዝህብ ፖሊሲ እትኽተል ምዃና ብምብራህ፡ ሰፊኑ ዘሎ ሰላም፡ ርግኣትን ምትሕብባርን ፍረ ናይዚ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ መሰረት ህንጸት ሃገር ንምድልዳልን ቀጻልነት ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስን፡ ኪኖ’ዚ ድማ ኣብ ዞባና ሰላምን ውህደትን ዝሕመረቱ ሰላማዊ ምንብባር ንኽህሉ፡ ብዘይተጕላባነት ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ ብግደኣ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰላም፡ ኣብ ጽባሕ ምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳታት ትኽበር ምህላዋ ፍሉይነት ከምዘለዋ ጠቒሳ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንዘርኣዩዎ ትዕግስትን መኸተን፡ ብስም ኣብያተ-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣድኒቓ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ 2030 ንኽሰምር ወጢንዎ ካብ ዘሎ 17 ሸቶታት ምዕባለ፡ እቲ መበል 16 – “ሰላምን ፍትሒን ንምርግጋጽ፡ ንዕኡ ዘተግብራ ትካላት ምሕያል” ከም ዝብል ዝሓበረት ሚስ ሱዛን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰላም፡ ጸጥታ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ንረብሓታት ህዝቢታት’ዚ ዞባ ዝዓለሙ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ንምስማር ዝወሰዶም ተበግሶታትን ኣመዝጊቦሞ ዘለዉ ዓወታትን ብምጥቃስ፡ ኤርትራ – ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ንምንጋስ መሪሕ ተራ ከምእትጻወት ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ገሊጻ።

እቲ መደብ፡ ንተራ ሰላም ኣብ ምዕባለን ስልጣነን ብዘንጸባርቕ ባህላዊ መሰናድኦ ዝተሰነየ’ዩ ነይሩ።

Categories