ዝተፈላለያ ሃገራት ከምኡ’ውን ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት፡ ብምኽንያት ምልዓል እገዳ፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ይሰዱ ኣለዉ።

መንግስቲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተበዪኑ ዝጸንሐ ውሳነታት እገዳ ንምልዓል ብዘሕለፎ ውሳነ፡ ንሓው ህዝቢ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ምልዓል ናይዚ እገዳ፡ ኣብ ምምሕያሽ ርግኣትን ሰላምን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ህንጸት ሰላምን ሽርክነትን ኣብ መንጎ ሃገራት’ቲ ዞባ ከኣ ብፍላይ ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ብቐሊል ከምዘይጥመት ብምጥቃስ፡ “ኣብ ምድልዳል ቊጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ዝምድናታት ኣሓት ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣገዳሲ ስጒምቲ’ዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ፡ ብውሳነ ባይቶ ጸጥታ ዝተሰመዖ ሓጐስ ብምግላጽ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ “እዚ ኣገዳሲ ስጒምቲ’ዚ፡ ንሰላምን ብልጽግናን ኤርትራ፡ ልምዓታዊ ምትሕብባር ናይቲ ዞባ ድማ ብሓፈሻ ዝህልዎ ኣበርክቶ ዓቢ’ዩ።” ክብል ኣስሚሩሉ።

ብዘይካ’ዚ፡ መንግስታት ሪፓብሊክ ጅቡቲ፡ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ከምኡ’ውን ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ብምልዓል ናይ’ቲ እገዳ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዮሃናኦም ገሊጾም።

ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፈኪ ኣብ መልእኽቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት ምምሕያሽ ዝምድናታትን ሰናይ ጕርብትናን ዝድርዕ ከምዝኸውን ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ሓላፊት ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፈደሪካ ሙገሪኒ ድማ፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ስሉሳዊ ርክብን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ንኽለዓል ባይቶ ጸጥታ ዘሕለፎ ውሳነን፡ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎአን ዕርቂን ቊጠባዊ ውህደትን ንኽፈጥራ ዓቢ ዕድል ዘርሑ ከምዝኾነ ሓቢራ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ14 ሕዳር ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ቊጽሪ 2444 ናይ 2018፡ ኣብ 2009ን 2011ን ብዓሎቚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ ዘይፍትሓዊ ብይናት እገዳ ክለዓል፡ ብምሉእ ድምጺ ምውሳኑ ይዝከር።

እቲ ዝተላዕለ ውሳነታት እገዳ፡ ኣብ 2009 ዝሓለፈ ቊጽሪ 1907፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2011 ዝሓለፈ ቊጽሪ 2023 ኮይኑ፡ ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ንቚጠባ ኤርትራ ንምድኻም ዝሃቀነ’ዩ ነይሩ።

Categories