ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ከምኡ’ውን ውዳበ ህግደፍ ኣብ ታሕታይ ሰሜን ጀርመን፡ ዝተፈላለዩ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ብመሰረት’ዚ፡ ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሽወደን፡ “ምድጋፍ መስርሕ ሰላምን ምድራኽ ሃገራዊ መደባት ልምዓትን” ብዝብል ቴማ፡ ብ11 ሕዳር ኣብ ከተማ ያቭለቦሪ ኣብ ዘቃንዖ 9ይ ጉባኤ፡ ኣበርክቶኡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምዕዛዝ ዝዓለሙ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ሲራክ ባህልቢ፡ እዋናዊ ተልእኾ ሃገራውያን ውዳበታት ድሕሪ ምዝርዛር፡ እቶም መንእሰያት – ንቕሓቶም ኣብ ሃገርናን ዞባናን መጺኡ ምስ ዘሎ ምዕባለታት ክቓንዩ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ጉባኤ፡ ንክልተ ዓመታት እተገልግል ኣካያዲት ኣካል ክትምረጽ እንከላ፡ ኣብ ምሕያል ተራ ኣባላት ውዳበ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ተኻዪዱ። ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ዞባዊ ውህደትን ምድግጋፍን ንምሕያል – ብመንግስታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝድግፍ ውሳነታት ድማ ሓሊፉ።

ውዳበ ህግደፍ ኣብ ታሕታይ ሰሜን ጀርመን እውን፡ ብ10 ሕዳር ኣብ ከተማ ከለን ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ።

ፈጻሚ ጉዳያትን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያትን ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ንህሉው ኲነታት ሃገርናን ጉጅለታት ህግደፍ ኣብ ታሕታይ ሰሜን ጀርመንን ብዝምልከት መብርታት ሂቦም።

Categories