ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርን ዓለምን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ14 ሕዳር ብምሉእ ድምጺ ዘሕለፎ – ውሳነ ምልዓል እገዳ ቊጽሪ 2444 ናይ 2018፡ ብልዑል ሓጐስ ተቐቢልዎ።

ድሕሪ’ቲ ውሳነ ምሕላፉ ኤሪና ዝተወከሰቶም ዜጋታት፡ ምልዓል እገዳ ውጽኢት ስሙር መኸተ፡ ድልዱል ሓድነትን ጽንዓትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምዃኑ ብምሕባር፡ ድልውነቶም ንመኸተ ልምዓት ኣረጋጊጾም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ከረን፡ ዓሰብ፡ ዕዲ፡ ጢዖ፡ ጊንዳዕ፡ ገልዓሎ፡ ባጽዕ፡ 16 ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ 12 ንኡሳን ዞባታት ደቡብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ብናይ ደገፍ ሰልፊታት ዝተሰነየ ህዝባዊ ጽምብላት፡ “ሓቂ መስመርና፡ ጽንዓት ሕላገትና”፡ “ሳላ ዝጸናዕና ኣብ ራህዋ በጺሕና”፡ “ጽንዓትናን መኸተናን፡ ራኢ ሃገር ንምስማር ቀጻሊ እዩ” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ተቓሊሖም።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ውዲታት ብንቕሓት፡ ንዘጋጠሞ ብድሆታት ድማ ብጽንዓት ሳላ ዝመከተ፡ ወለዶታት ናብ ዝሕበኑሉ መድረኽ ክበጽሕ ከምዝበቕዐ፡ እቲ ካብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዘይፍትሓውን ዘይሓላፍነታውን እገዳ ብወግዒ ምልዓሉ ከኣ፡ መርኣያ ቃልስን ጽንዓትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን እውን፡ ነቲ ውሳነ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይጽምብልዎ ከምዘለዉ፡ ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ጸብጻባት የረድእ።

Categories