ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብራ ደቂኣንስትዮ፡ ንቕሓተን ኣበሪኸን ተሳተፍቲ ልምዓታዊ መደባት ዝኾናሉ ባይታ ንምፍጣር – ተራ ሕብረተ-ሰብ ክዓቢ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ንኡሳን ዞባታት ድገን ፎርቶ-ሳዋን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ኣተሓሳሲባ።

ምስ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢታት ተማራት፡ ኣዲባራ፡ ፎርቶ-ሳዋ፡ ተኽረሬትን ሓሻኪቶን ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ወይዘሮ ይሕደጋ የውሃንስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ጸገማት ዝተቓልዓ ብምዃነን፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ወለዲ ድማ ብፍላይ፡ ንዘጋጥመን ጸገማት ኣብ ምሕጋዝ ሓላፍነታዊ ግዴታኦም ክትግብሩ ኣዘኻኺራ።

ልምዓታዊ መደባት፡ ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ክዕወቱ ከምዘይክእሉ ብምምልካት፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ማዕረ ተሳታፍነት ንኽህልወን ምትብባዕ ክግበረለን፡ ሎሚ ናብ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ ዝቐንዑ ወፍርታት ንጽባሕ ዝሓሸ ባይታ ዘጣጥሑ ብምዃኖም – ቀዳምነት ክወሃቦም ኣዘኻኺራ።

ተሳተፍቲ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዘበርኹ ጐስጓሳዊ መደባት ክድፈኣሎም ተላብየን።

Categories