ኣብ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ኣፍልጦ ዘዕቢን፡ ኣብ ምእንጋድ ዓማዊል ክግበር ኣብ ዝግብኦ ንጥፈታትን – ዘተኮረ – ካብ መላእ ዞባ ዓንሰባ ንዝመጽኡ ኣባላት ክፍሊ ቱሪዝምን ሓለፍቲ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ብ7 ሕዳር ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተወደበ ኣስተምህሮ፡ ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ሳልም ዓሊ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ምስ ኣባላት ክፍሊ ቱሪዝም ተወሃሂዶም ብምስራሕ፡ ተረባሕቲ ጸጋታት ክኾኑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ብዛዕባ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ዞባ፡ ኣብ መስርሕ ዘጋጥሙ ጸገማትን ንምፍትሖም ክግበር ዝግብኦ ንጥፈታትን፡ ብክኢላታት መብርሂ ተዋሂቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ንዝነጥፋ ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ሰራሕተኛታተንን፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ጐስጓስ ተኻዪዱ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ፡ ኣቶ ኣሰፋው ገብረሚካኤል፡ ኣፍልጦ መንእሰያት ኣብ’ቲ ሕማም ክብ ምባልን ንሓድሕዶም ዝዛተዩሉ ባይታ ምጥጣሕን፡ ሓጋዚ ሜላኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከምዝኾነ ገሊጹ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃ ብወገና፡ ኣበርክቶ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ምክልኻልን ምግታእን ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ብዕቱብ ክስርሓሉ ኣተሓሳሲባ።

Categories