መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብ9ን 10ን ሕዳር ኣብ ባህር-ዳር ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምምኽኻር ርክብ፡ ኣብ ስሉሳዊ ዝምድናታት፡ ዞባዊ ምዕባለታትን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ዘትዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድን ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ንገስጋስ ናይ’ቲ ብ5 መስከረም ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ቀዳማይ ርክብ ዝኸተምዎ “ሓባራዊ ኣዋጅ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን”፡ ከምኡ’ውን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽአ ምዕባለታት ድሕሪ ምግምጋም፡ እዚ ካልኣይ ርክቦም፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ታሪኻዊ ምስግጋር ናብ ሰላምን ምትሕብባርን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ተመዝጊቡ ብዘሎ ተጨባጢ እወታዊ ውጽኢት ዕግበቶም ብምግላጽ፡ ሕውነታዊ ምሕዝነቶምን ዝምድናታቶምን ብምዕዛዝ፡ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ዝኽሰቱ ብድሆታት ብሓባር ንምግጣም ድሕሪ ምስምማዕ፡ ኣገዳስነት ምኽባር ልኡላውነት፡ መሬታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ሶማልያ ብምግንዛብ፡ ጽኑዕ ደገፎም ንህዝቢ ሶማልን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ኩሎም ትካላቱን ብምንጻር፡ ንምስፋን ሰላምን ምትሕብባርን ናይ’ዚ ዞባ ተወፋይነቶም ኣረጋጊጾም።

መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኣፈፌት ምልዓል ንዝርከብ ኩሉ ዓይነታት እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብሓጐስ ከምዝቕበልዎ ብምግላጽ፡ እዚ ናይ ፍትሒ ተግባር፡ ኣብ ምድንፋዕ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕብባርን ዞባና ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም።

መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ኣስዒቦም፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ከምኡ’ውን ብህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻውያን ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ንዝተገብረሎም ምዉቕ ኣቀባብላን እንግዶትን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድን ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂን ኣብ መወዳእታ፡ ዝመጽእ ሳልሳይ ርክቦም ኣብ ሞቓዲሾ ክካየድ ተሰማሚዖም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር – ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ፡ ትማሊ 10 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

Categories