ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ 9 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ንግሆ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር – ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኰነን፡ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፍሉጣት ሰባትን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንተመሳሳሊ ምብጻሕ ዝመጽአ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ተሰንዮም፡ ኣብ ጎደናታት ጎንደር፡ ንሕውነታዊ ዝምድና ሰለስቲአን ሃገራት ዝገልጽን ውዕዉዕን ህዝባዊ ኣቀባብላን ደገፍን ዝተንጸባረቐሉ ዑደት ኣካዪዶም።

ንኽብሪ ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተገብረ ብባህላዊ መሰናድኦ ዝተሰነየ ናይ ምሳሕ እንግዶት ድማ፡ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን፡ ብስም’ቲ ክልል ህያባት ኣበርኪቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ሓጺር ቃል፡ ንዝተገብረሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፡ ርክብ ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ኪኖ ሰለስቲአን ሃገራት ዝኸይድ ረዚን መልእኽቲ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ – ኣብ ወረዳ ደምብያ – ሰሜን ጎንደር ዝሰላሰል ዘሎ መስኖኣዊ ልምዓት፡ ኣብ ወረዳ ቡሬ – ምዕራብ ጎጃም ዝርከብ ናይ ኣግሮ-ኢንዳስትሪ ፓርክ፡ ከምኡ’ውን ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ከምዝበጽሑ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢን ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂን፡ ናይ ጎንደርን ጎጃምን ዑደቶም ዛዚሞም፡ ሎሚ ኣማስያኡ ከተማ ባህርዳር ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ’ዛ ብድሙቕ ህዝባዊ ኣቀባብላ ዘአንገደቶም ማእከል ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ከተማ ኣብ ዘካይድዎ ስሉሳዊ ርክብ ድማ፡ ኣብ ገስጋስ ትግባረ ናይ’ቲ ብ5 መስከረም ኣብ ኣስመራ ዝኸተሙሉ “ሓባራዊ ኣዋጅ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ”ን ናይ መጻኢ መደባትን ክዝትዩ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ታሪኻውን ልምዓታውን ቦታታት ባህርዳር ዑደት ክገብሩ መደብ ተሰሪዑ’ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ከምኡ’ውን ዳይረክተር ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ።

ሃገረ ኤርትራ፡ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ዘውጸአኦ ሓባራዊ ኣዋጅ፡ ረብሓ ህዝብታተን ብዘውሕስን ዘረጋግጽን መንገዲ ድልዱል ዝምድና ክፈጥራ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን መዳያት ክብ ዝበለ ምትሕግጋዝን ጥምረትን ክሃንጻ፡ ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኪኖኡን ብሓባር ክሰርሓ፡ ከምኡ’ውን ንትግባረ ናይ’ቲ ነጥብታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚተ ክምስርታ ዝብል ኣርባዕተ ዓንድታት ይርከቦ።

Categories