ኣብ ንኡስ ዞባታት ዳህላክ፡ ገልዓሎ፡ ሽዕብ፡ ፎሮ፡ ጊንዳዕን ባጽዕን ዝርከባ መዋእለ-ህጻናት ብሓፈሻ፡ ምስ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ተጸጊዐን ዝነጥፋ ከኣ ብፍላይ ዝግምግም ዓውደ-ዘተ፡ ካብ 6 ክሳብ 8 ሕዳር ኣብ ከተማ ባጽዕ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ትምህርቲ ንኡስ ዞባታት፡ ሱፐርቫይዘራት፡ ርእሰ-መምህራንን መምህራንን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣወሃሃዲት ቅድመ-ትምህርቲ መምህር ኣበባ ሃብቶም፡ ቅድሚ ሕጂ ንጥፈታት ቅድመ-ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንምግምጋም ዝተወስዱ ተበግሶታት ውሱናት ምንባሮም ጠቒሳ፡ ሕጽረት ንምምላእ ጽጹይ መጽናዕቲ ክካየድ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢራ። ኣብ ምዕዋት ናይ’ቲ መደብ ኩሉ ዜጋ ብንጥፈት ክዋሳእ ከምዝግባእ ድማ ኣዘኻኺራ።

ግቡእ ኣጠቓቕማ ሜላታት ቅድመትምህርቲ መሰረት ዝቕጽል ኣካዳሚያዊ ምዕባለታት ምዃኑ ዝገለጸ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ረሺድ መሓመድ-ዑስማን፡ ብድሆታት ክሊማን ጂኦግራፍያዊ ኣቃውማን ናይ’ቲ ዞባ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣገልግሎት ቅድመ-ትምህርቲ እወታዊ ውጽኢት የመዝግብ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ፡ ንመምህራን ጽዑቕ ስልጠናታት ምሃብ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ መዋእለ-ህጻናት ብሓፈሻ፡ ምስ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ተጸጊዐን ኣብ ዝነጥፋ ከኣ ብፍላይ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ክግምገሙ እንከለዉ፡ ዘጋጥሙ ሕጽረታትን ብድሆታትን ንምስጋር ኣብ ዝተወስዱ ተበግሶታትን ውጽኢቶምን እውን ብሰፊሑ ተዘትዩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣወሃሃዲት ቅድመ-ትምህርቲ መምህር ፋጥና ሓምድ፡ ብዛዕባ ዕላማ ናይ’ቲ ዓውደ-ዘተ ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ቀጻልነትን ምዕባለን ናይ’ተን ምስ መባእታ ደረጃ ተጸጊዐን ዝነጥፋ ዘለዋ መዋእለ-ህጻናት ንምውሓስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዳለወ መምሃሪ መጽሓፍ ንምግምጋምን ሞያዊ ዓቕሚ መምህራን ንምብራኽን ከምዝኾነ ገሊጻ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሩዕ ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ኣገልግሎት ዝህባን ምስ መባእታ ተጸጊዐን ዝነጥፋን 61 መዋእለህጻናት ኣለዋ።

Categories