ኣብ ጀርመንን ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣካዪዶም።

ብመሰረት’ዚ፡ ኣባላት ህግደፍ ንኡሳን ጨንፈር ደቡብን ማእከልን – ጀርመን፡ ብ3ን 4ን ሕዳር፡ ኣብ ከተማታት ኑረንበርግን ፍራንክፈርትን፡ ዓመታዊ ኣኼባኦም ኣቃኒዖም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ኣብ’ቲ ኣኼባታት፡ ንምዕባለታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዓኡ ዝጸልው ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታትን ከምኡ’ውን ተራ ናይ’ተን ውዳበታት ኣብ መጻኢ መደባት ሃገር ዘተኰረ መግለጺ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ቈንስላዊ ኣገልግሎት ንምውርጻጽ ክውሰድ ኣብ ዘለዎ ተበግሶታት፡ ግቡኣት ውዳበታትን ዜጋታትን ኣብ ምንጻር፡ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ምሕያል ዘተ ተኻዪዱ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ምዕባለታት ሰላም ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንኽወቅዕ ደገፎም ከሐይሉ፡ ውዳበኦምን ጥምረቶምን ምስ’ዚ ሓድሽ መድረኽ ንምስማር ብዝበለጸ ክነጥፉ. . . ዝብሉን ካልኦትን ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ብ4 ሕዳር፡ ኣብ ምሕደራ ፕሮጀክት ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ወዲቦም።

እቲ ብመሃንድስ ሳሙኤል ተኽለኣብ ዝተመርሐ ዓውደ-ዘተ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ነበርቲ ጁባ፡ ኣብ ዕለታዊ ስርሖም ዝሕግዞም ኣስተምህሮ ንምሃብን፡ ሓድሕዳዊ ተመኩሮ ዝለዋወጥሉ ባይታ ንምጥጣሕን ዝዓለመ እዩ።

Categories