ዝኽሪ ምምስራት መበል 25 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ንምጽምባል – ክካየድ ብዝጸንሐ ዝተፈላለየ ንጥፈታት መሰረት፡ ብምውህሃድ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራን ኤምባሲ ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራን፡ ብ6 ሕዳር ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ምርኢት ኦፐራ ቀሪቡ።

ነቲ ብቻይናዊ ጉጅለ ኦፐራ ‘ዘጂያንግ ው’ ብሙዚቃ ተሰንዩ ዝቐረበ ድራማዊ መደብ፡ ሚኒስተራት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ህዝብን ተዓዚቦምዎ።

ኣብ መኽፈቲ’ቲ መደብ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣካል ናይ’ቲ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት ክልቲአን ሃገራት ንምልላይን ሓድሕድ ባህላዊ ተመኩሮታት ንምልውዋጥን ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ስርሓት ምዃኑ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ያንግ ዚ-ጋንግ ብግደኡ፡ ክልቲአን ሃገራት ተመሳሳሊ ሃብታም ባህላዊ ውርሻታት ዝውንና ምዃነን ጠቒሱ፡ እቲ መደባት ርክባት ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምዕባይ ሰፊሕ ባይታ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ሓቢሩ።

ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ኣብ መዳያት ባህልን ስነ-ጥበብን ዘተኮሩ ክልተኣዊ ናይ ምትሕጋጋዝ መደባት ንምሕያል ብሓባር ክሰርሓ ጸኒሐን እየን።

Categories