ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባን ካልኦት መሻርኽትን፡ ን123 ደቂ-ኣንስትዮ ናይ 10 መዓልታት ትምህርቲ ምክልኻል ሕማማትን ምውሓስ ጥዕና ስድራ-ቤትን ተዋሂቡ።

እቲ ብሰብ-ሞያ ጥዕና ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፡ ኣብ ኣገባብ ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪ./ኤይድስን ካልኦት ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ቅድምን ድሕሪን ሕርሲ ክግበር ኣብ ዘለዎ ጥንቃቐታትን ምክትታልን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገዳስነት ጽሬት ከባቢን ምውሓስ ጥዕና ስድራ-ቤትን ዘተኰረ እዩ።

ካብ ወደብቲ ስልጠና ሲስተር ምሕረት ሓጐስ፡ እተን ደቂ-ኣንስትዮ ብዝቐሰማኦ ትምህርቲ፡ ኣብ ምንቃሕ ሕብረተ-ሰበን ኣስተዋጽኦ ክገብራ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ሰልጠንቲ ብወገነን፡ ጥዕናዊ ትምህርትን ጐስጓሳትን ንደቂ-ኣንስትዮ፡ ብዝሰፍሐ መልክዑ ክውደብ ተላብየን።

Categories