ክፍሊ መወልዳን መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ፡ ብዘይ ዝኾነ ናይ መዓልትታት ብኲራት፡ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ – ጥዕና ነፍሰጾራትን ዕሸላትን ንምውሓስ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ሓላፊ’ቲ ክፍሊ ዶክተር ታሚት እስቲፋኖስ፡ ኣብቲ መወከሲ ሆስፒታል ካብ ምሉእ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንዝመጻ ነፍሰጾራት ብስሩዕን ብውከሳን ኣገልግሎት ከም ዝወሃብ ሓቢሩ። ምስ ጥንሲ ዝተኣሳሰሩ ውሽጣዊ ሕማማት – ምሕካም፡ ቅድሚ ሕርሲ ዝረኣዩ ዘይንቡር ተርእዮታት ምክትታል፡ ክሓርሳ ንዝመጻ ነብሰ-ጾራት ብንቡርን ብመብጣሕትን ምግልጋል፡ ዝውለዱ ዕሸላት ምኽታብን ረብሓታት ውጥን ስድራ-ቤት ንኣዴታት ምስትምሃርን፡ ካብቶም ቀንዲ ዝሳለጡ ንጥፈታት ምዃኖም ድማ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ብክልተ ዶክተራት፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ነርሳትን ካልኦት ሞያውያንን ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ክፍሊ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ – ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 1,100 ነብሰጾራት ከምዝተኣንገዳ፡ ካብኣተን እተን 221 ብመብጣሕቲ ከምዝሓረሳ፡ ዶክተር ታሚት ኣረዲኡ።

ኣደ ምሉእ ጥዕና ሃልይዋ ጥዑያት ዜጋታት ንኽትወልድ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣድላዪ ክትትልን ጥንቃቐን ክትገብር ዝሕግዙ ሞያዊ ሓበሬታታት ብቐጻሊ ከምዝወሃብ ድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ሕብረተ-ሰብ ወለንታዊ ልግሲ ደም ከዕዝዝ ጸዊዑ።

Categories