ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ዓድታት እቶታውነት ንምዕባይ ተበግሶታተን ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ከዕዝዛ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ ያቆብ እድሪስ፡ ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ኣበሎ፡ ሞዖን በያንን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ኣዘኻኺሩ።

ጽላት ሕርሻን እቶቱን ንምምዕባል፡ ውሕሉል ተጠቃምነት ጸጋታት መሰረታዊ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ያቆብ፡ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ምድልዳል መሬት፡ ምሕላው እንስሳ ዘገዳምን ልምዓት ብቚሊን፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓድታት ክረጋገጽ ተላብዩ።

ነቲ ንጥፈታት ንምውህሃድ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ናቕፋ ምስ ክኢላታት ሕርሻ ብምትሕብባር ክሰርሕ ምዃኑ ብምርግጋጽ ድማ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ህዝቢ ዝኾነ ዕዮ፡ ምስ ምምሕዳር ዞባ ምርድዳእ ክግበረሉ ምዃኑ ኣብሪሁ።

Categories